Saturday , May 18 2024
A2FP81

ብዘዐባ ማህተማ ጋንዲ

ማህተማ ጋንዲ፡ ቀንዲ ስሙ ሞሃንዳብ ካራምቻንድ ጋንዲ እዩ። ማህተማ ጋንዲ፡ ኣብታ ንኽብሩ ተባሂላ ብ “ራኪንድራናዝ ታጎረ” ዝተደርሰት ፊልም እዩ፡ “ማህተማ” ማለት “ዓቢ መንፈስ” ዝብል ስም ዝተዋህበ። ጋንዲ፡ ኣብ ህንዲ ብ “ባፑ” ማለት ኣቦ ዝብል ስም እዩ ዝፍለጥ።

ማህተማ ጋንዲ፡ ብ2 ጥቅምቲ 1869 ኣብ ወደባት ከተማ ፓርባንዳር – ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ ጉጃራት ትፍለጥ ከተማ ህንዲ ተወሊዱ። ኣብ ግንቦት 1883፡ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ፡ ምስ ካስተርባሪ ዝተባህለት ጓል 14 ዓመት ጎርዞ ፡ በቲ ናይቲ ከባቢ ሃይማኖት ተደፋፊኡ ተመርዓወ። ማህተማ ጋንዲ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ “ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዛዕባ መርዓ ወላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረናን” ይብል።

ኣብ 1885 – ጋንዲ ወዲ15 ዓመት ምስ ኮነ፡ ቦዅሪ ውላዱ ተቦኮረ። እንተኾነ፡ እቲ ህጻን ነዊሕ ከይጸንሐ’ዩ ዓሪፉ። ቀጺሉ፡ ኣብ 1888፡ 1892፡ 1897፡ 1900 ሃሪሳል፡ ማኒሳል፡ ራሞዳስን ዴቪዳስን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣወዳት ወለደ። ኣብ መስከረም 1888፡ ወዲ 19 ዓመት ጋንዲ ሕጊ ከጽንዕ ናብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተጓዕዘ።

 ኣብ ዩንቨርሲቲ ለንደን ድማ ጠበቓ ንምዃን ተማህረ። ኣብ ሰነ 1891፡ ለንደን ገዲፉ ንህንዲ ዝተመልሰ ጋንዲ፡ ኣብ ከተማ ቦምበይ ጠበቓ ክኸውን ጠለብ ኣቕረበ። ዝሓተቶ ጠለብ ስለ ዝተነጽገ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ክኸውን ሓሳብ ኣቕረበ፡ ኣብዚ’ውን ኣይሰለጦን – መሊሱ ተነጽገ። ኣብ ሚያዝያ 1893፡ ካብ ዳዳ ኣብዱላ ዝተባህለ ህንዳዊ ናይ ሕጊ ትካል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ ንኽሰርሕ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ተዋህቦ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ኣተወ፡ እቲ ንህንዳውያን ዝተዋህበ ኣድልዎን ተነጽሎን’ዩ ተቐቢልዎ። ብዙሕ ኣድልዎታት ዘጋጠሞ ጋንዲ፡ ነዞም ክስተታት ምስ ረኣየ’ዩ ኣብ ሂወቱ ነጥቢ መቐይሮ ዝረኸበ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ዝነበረ ዓሌታዊ ፍርዲ ባዕሉ ምስ ረኣዮ፡ ክብሪ ህንዳውያን ኣብ ምሕላው፡ መረረ መግዛእቲ እንግሊዝ ከናውጾ ዝጀመረ።

ምእንቲ ሓገዝ ህንዳውያን፡ ብፍላይ ድማ ህንዳውያን ንደቡብ ኣፍሪቃ ከይመጹ ዝኽልክል ዝነበረ ሕጊ ክማጎት ክብል ከኣ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ግዜኡ ኣናውሖ።

ኣብ 1897፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነት “ዱርባን” ምስ ኣተወ፡ በቶም ጸዓዱ ድሕሪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ፡ እቶም ነበርቲ ይቕረ ናይ ምብህሃል ልምዲ ክመሃሩ ብምባል ነቶም መጥቃዕቲ ዘውረድሉ ሰባት ከም ዘይከሶም ሓበረ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረሉ ግዜ ከኣ፡ ንጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ካብ ጸዓዱ ዝፈሊ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብተደጋጋሚ ብምቅዋም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ጽሑፋት ብስሙከሕትም በቕዐ። ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ’ውን፡ ነቲ ሞትን ቅትለትን ዘይነበሮ ተቓውሞ ማህተማ ጋንዲ ይድግፎ’ዩ ዝነበረ። ማህተማ ጋንዲ፡ ወላ’ኳ ኣብ ምጥፍእ ጎነጽ፡ ሓይልን ዓመጽን ናይ መጀመሪያ ተቓላሳይ ኣይኹን፡ ኣብ’ዚ ብዝገበሮ ጻዕሪን ቃልስን ግን ኣዝዩ ፍሉጥ ክኸውን ሓጊዝዎ’ዩ።

ማህተማ ጋንዲ፡ ብዘገብሮም ዝነበረ ስርሓት ዝተፈላለዩ ሽልማት ክወስድ በቒዑ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1930፡ መጽሄት ታይምስ፡ ‘ናይዚ ዓመት’ዚ ዝበለጸ ሰብ’ ብምባል ሸሊማቶ።

ኣብ ሃገረ ህንዲ፡ ጋንዲ ዝተወለደሉ ዕለትከም ሃገራዊ በዓል’ዩ ዝኽበር። ኣብ ዓለም ብዙሕ ጽልዋታት ዝገበረ ጋንዲ፡ ናብ ናይ ጸሎት ኣኼባ እናኸደ ከሎ’ዩ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ፡ ኣብ ከተማ ኒውደልሂ ብ30 ጥሪ 1948 ተቐቲሉ።ከም ሃገራዊ በዓል’ዩ ዝኽበር። ኣብ ዓለም ብዙሕ ጽልዋታት ዝገበረ ጋንዲ፡ ናብ ናይ ጸሎት ኣኼባ እናኸደ ከሎ’ዩ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ፡ ኣብ ከተማ ኒውደልሂ ብ30 ጥሪ 1948 ተቐቲሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com