Friday , May 17 2024

ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣብ ሽወደን ተዓጊቶም ኣለዉ ተባሂሉ።

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናን ንሱ ዘምጽኦ እገዳ ጒዕዞን ኣብ ሽወደን ተዓጊቶም ምህላዎም ኣመልኪቶም። እቲ ምምሕዳር ናይ በጻሕቲ ቪዛ ናይ ምንዋሕ ሕቶታት ምብዝሖም ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። ፈረንሳዊ ኣብ ሰርከሰ ዝነጥፍ ኒኮላስ ፖካ ዝርከብዎም ብዙሓት ስደተኛታት ምህላዎም ጸብጻብ እታ ሬድዮ ኣመልኪቱ’ሎ። ፖካ ኣብ ካናዳ ዝነብርን ዝሰርሕን ሰርከሰኛ ኮይኑ” ካብዚ ዘለናሉ ማሕዩር እንወጸሉ እንኮ መንገዲ ምስ ኤምባሲ ካናዳ ምዝርራብ ሙዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ዜጋ ስለዘይኰንኲ ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ክህሉ ኣይፍቀደለይን እዩ” ክብል ፖካ ኣማሪሩ። ፖካ ኣብ ፈረንሳ ቤት ይዂን ስራሕ የብሉን። ንሽወደን ኣብ ዝበጽሓሉ ዶባት ምዕጻዉ ሻቕላ ከም ዝፈጠረሉ ድማ ተዛሪቡ። ክሳብ ዶብ ተኸፊቱ ናብ ካናዳ ዝምለስ ድማ ኣብ ስቶክሆልም ይቕመጥ ኣሎ። ኤጀንሲ ማይግሬሽን ብዛዕባ እዞም ዝተጠቕሱ ጒዳያት ጽጹይ ሓበሬታን ስታቲስቲክስን የብሉን። እንተኾነ ግና ናይ ቪዛ ምልከታ ብናህሪ ምውሳዂን ዘበዝሑ ካብዞም ኣመልከትቲ ካብ ህንዲ፥ ቻይና፥ ዩክሬንን ታይላንድን ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com