Saturday , May 18 2024

ብዛዕባ ማያ ኣንጀሎ

ልዑል ተቐባልነት ዘለዋ ጸላም ኣመሪካዊት ገጣሚትን ደራሲትን ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ 1928’ያ ኣብ ሉዊስ ሚሶሪ ተወሊዳ። መብዛሕቲኡ ግዜ ንመሰል ኣፍሪቃውያን ደቂ-ኣንስትዮ ወኪላ ትካታዕ ማያ፡ ጽሑፋታ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

ማያ፡ ላንግስቶን ሁገስን ፓውሎ ላውረንስ ዱንባርን ብዝተባህሉ ጸለምቲ ጸሓፍቲ ተጸልያ፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ኣብ ጽሑፍ ክትነጥፍ ከም ዝጀመረት ትገልጽ። ‘I Know Why the Caged Bird Sings’ እትብል ኣብ 1969 ዘሕተመታ ኣዝያ ፍልጥቲ ስራሓታ፡ ካብተን ታሪኽ ሂወታ ዝገልጻ ሸውዓተ ሕታማታ እታ ናይ መጀመሪያ’ያ። እዛ መጽሓፍ ድማ፡ ተፈላጥነትን ዕብየትን ማያ ክውስኽ ሓጊዛ’ያ።

እዛ ህብብቲ ገጣሚትን ደራሲትን ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣዝዮም ጸለውቲ ግጥምታት፡ ድምቀት ኣፍሪቃውያን ዝገልጽ ጽሑፋት፡ ተጻዋርነትን ትብዓትን ደቂ-ኣንስትዮ ዘርእዩ ድርሰታት ኣበርኪታ’ያ። ኣብ ኵሉ ስራሓታ ጠለባት ማሕበራዊ ፍትሒ ንምምላእ እትጽዕር ከምዝነበረት ከኣ ይግለጽ። ማያ፡ በታ ናይ መጀመርያ እኽብካብ ግጥምታታ ዝሓዘት፡ ‘Just Give Me a Cool Drink of Water ‘fore I Die’ እትብል መጽሓፋ፡ ኣብ 1972 ሽልማት ፑልቲዘር ክትወስድ በቒዓ እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ’ታ ዓመት እቲኣ፡ እታ ኣብ ሲነማ ዝርአ ድራማ ዘፍረየት ናይ መጀመሪያ ጸላም ጓልኣንስተይቲ ተባሂላ’ውን ተሰምያ እያ።

ኣብ መንእሰያትን ቈልዑን ደቂ-ኣንስትዮ ኣተኲራ እትጽሕፍ ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብቶም ውሑዳት ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ድሕረ ባይታን ባህልን ዘጽንዐት ሓንቲ ጸሓፊት እያ። እዛ መምህር፡ ጸሓፊት፡ ብዝያዳ ድማ ንመሰላት ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ እትካታዕ ማያ ኣንጀሎ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ንኣስታት ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸውን ልዑል ዝናን ስምን ኣትሪፋ’ያ። ኣብ ሂወታ ሰለስተ ግዜ ዝተመርዓወት ማያ፡ ሓደ ቈልዓ ጥራይ’ያ ወሊዳ።

ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ ግዜ ንእስነታ ኣብ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ፡ እታ ናይ መጀመሪያ መራሒት መኪና ክትከውን ዝበቕዐት ጸላም ጓል-ኣንስተይቲ’ያ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወታ ዝጸሓፈት ናይ መጀመሪያ ጸላም ኣመሪካዊት ደራሲት’ውን እያ። ማያ፡ ብዅሉ ስራሓታ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝለዓለ ዕዳጋ ዝረኸበት ጸሓፊት ክትከውን ዝበቕዐት’ውን እያ።

ጸሓፊት፡ ገጣሚት፡ ደራፊት፡ ደራሲት ድራማ፡ ሳዕሳዒትን መምህርን ከምኡ ድማ፡ ብጽሑፋታ ንመሰል ጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ፈለማ ዝተቓለሰት ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ መበል 86 ዕድመኣ፡ 28 ግንቦት 2014 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየት። ዘበርከተቶም ስነጥበባዊ ጽሑፋታ ግና፡ ክሳብ ሕጂ ጸለውቲ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com