Friday , May 17 2024

ብገበን ዝተጠርጠሩ መራሕቲ ታክሲ ኣብ ንጥፈት ምዝዋር ከምዘለዉ ተሓቢሩ!!

ብገበን ዝተፈርዱ ዘወርቲ ታክሲ ንብዙሕ ዓመታት ታክሲ ከም ዝዝውሩ ጋዜጣ DN ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ኤጀንሲ ትራንስፖርት ሽወደን ንናይ ምዝዋር መሰሎም ስለ ዘይምንዝዖምን እቲ ናይ ክሲን ፍርዲን መስርሕ ንውሕ ዝበለ ግዜ ስለዝወስድ እዩ።

“ስለዝተፈረድካ መሰል ሞያኻ ክትስእን ዝግባእ ኣይመስለንን” ይብል ዳይረክተር ኤጀንሲ ምዝዋር ታክሲ ማርኩስ ኤድስባጅ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቓል። እታ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቶ ትንታነ ዘወርቲ ታክሲ ኣብ እዋን ስራሕ ዝገብርዎ ገበን ካብ ስራሕ ወጻኢ ካብ ዝፍጽምዎ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣመልኪታ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com