Friday , May 17 2024

ብጸሊም ንዘስርሑ ወገናት ንምርካብ፡ ፖሊስ፡ ናይ ምፍታሽ ስርሒት ኣካይዱ

ፖሊስ ምስ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ 100 ኣብ ስካራቦሪ ዝርከባ ኩባንያታት ኣንጻር ዝካየዱ ናይ ምትላል መስርሕን ዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ዝዓለመ ተፍቲሽ ከምዘካየደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኩባንያ፡ 14 ዝበጽሑ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት (ብጸሊም ዝሰርሑ) ከምዝረኸበ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ፡ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር እዩ ክብል ሓላፊ ናይቲ ስርሒት፡ ሞርጋን ቲርኒንግ፡ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ፡ ነተን ሕጋውያን ኩባንያታት፡ ሃስያ ዘውርድ ስለዝኾነ፡ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኸምዚ ዓይነት ግጉይ ኣሰራርሓ ንምእራም ክተሓባበር፡ ቲርኒንግ፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com