Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Matt Dunham, Pool) LMD112

ቦሪስ ጆንሰን፡ ብዛዕባ ለበዳ ኦሚክሮን ኣጠንቂቑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ንለበዳ ኦሚክሮን ኣመልኪቱ ናይ ህጹጽ እውን ኣዋጅ ድሕሪ ምትሕልላፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኲሉ ልዕሊ 18 ዝዕድሜኡ ክኽተብ ምዃኑ ገሊጹ።

“ማዕበል ለበዳ ኦሚክሮን ይመጸና ምህላዉ ማንም ክጠራጠር የብሉን” ክብል ጆንሰን ብመንገዲ ተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ኣመልኪቱ። ኲሎም ክኽተቡ ዝደልዩ ሰባት እዚ ክትባት ንኽበጽሖም ከም ሸቶ ተታሒዙ ኣሎ ዝበለ ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊኡ ሕክምናዊ ቆጸራታት ነዚ ተባሂሎም ክውንዘፉ ክግበሩ እዮም ኢሉ።

መጠንቀቕታ ኮቪድ ክብ ምባሉ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ ሰዓት ድንጒይ ኢሉ ጆንሰን ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብሰንኪ ልዑል ለበዳ እዚ ቫይረስ እቲ መጠንቀቕታ ናብ ራብዓይ ደረጃ ክብ ክብል ተጌሩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ራብዓይ ደረጃ መጥንቀቕታ፡ ዝለዓለ መጠን መጠንቀቕታ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሪጣንያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብዚ ደረጃ ምንባራ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com