Friday , May 17 2024
(AP Photo/Matt Dunham, Pool) LMD112

ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወደን ክበጽሕ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ምስ ሽወደናዊት መዘናኡ ማግዳሌና ኣንደርሾን ንምርኻብ፡ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወድን ክኣቱ እዩ ተባሂሉ። ድሕሪ’ዚ ቦሪስ ጆንሰን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ንምርኻብ፡ ናብ ሄልስንኪ ክብገስ እዩ። እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ኣሰካፊ ድሕነታዊ ጒዳያት፡ ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ኣመልኪቶም ክዛተዩ እዮም ክብል ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ’ሎ። ክልቲኣቶም መራሕቲ፡ ድሕሪ ናይ ምሳሕ እንግዶት፡ ኣብ ሃርፕሱንድ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክህቡ እዮም–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com