Friday , May 17 2024

ቦትስዋና፡ ኣብ ገለ ዞባታት ዝነበረ ውጥን ክታበት ኮቪድ-19፡ ደው ኣቢላቶ

መንግስቲ ቦትስዋና፡ ብልቃጥ ክታበት ተጸንቂቑ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ገሊኡ ዞባታት እታ ሃገር ክገብሮ ወጢንዎ ዝነበረ መደብ ክታበት ደው ምባሉ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር፡ ዛጊት 17808 ሰባት ከቲባ ኣላ ክብል ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት። ኣብዘን ዞባታት ዝነብሩ ዜግታት ነታ እትመጽእ መርከብ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ተነጊርዎም ኣሎ። መንግስቲ ሾብዓተ በዚ ሕማም ብፍሉይ ክጥቅዓ እየን ዝበለን ዞባታት ምልላዩ ይፍለጥ። እዛ መርከብ ክትመጽእ ምናልባት ሰሙናት ክትወስድ ከም እትኽእል ድማ ተገሊጹ።

እዚ እናኾነ፡ ፕረሲደንት ሞክግዊትሲ፡ ኣብ ሰዓት 22 ዝጅመር ናይ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ’ሎ።

ቦትስዋና፡ 40998 ሰባት ብሕማም ኮሮና ከም እተታሕዙን ዛጊት 663 በዚ ሕማም ምሟቶምን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com