Thursday , May 16 2024
Requirements for vaccine certificates may be introduced to travel by long-distance public transport. Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ተጠቀምቲ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምርኣይ ክጅምሩ እዮም

ነዊሕ ጉዕዞ ዝንቀሳቐሳ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝግልገሉ ተሳፈርቲ፡ ናይ ክትባት ወረቐት ምስክር ንከቕርቡ ዘገድድ ኣሰራርሓ ከተኣታተው፡ ሓድሽ መንግስታዊ እማመ ቀሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ግዴታዊ መስርሕ፡ ተግባራዊ ዝኾነሉ ኩነት ድማ እቲ ቫይረስ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ መጠን እንዳተጋወሐ እንድሕር ቀጺሉ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ እዚ መስርሕ ብዛዕባ ዝተኣታተወሉ ዕለት፡ ንጹር ግዜ ከምዘይተቐመጠ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።  እቲ ኩነታት እንዳተጋደደ እንድሕር ከይዱ፡ ኣብቲ ግዜ ጉዕዞ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝኽእሉ ናይ ለበዳ መከላኸሊ ስጉምታት እንደገና ከተኣታቱ፡ መንግስቲ፡ ድልየት ከምዘለዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ፡ ኣገልግሎት ኣብ ዝዋሀበሎም ቦታታት፣ ኣብ መዘናግዒን ባህላዊ ቦታታትን፡ ኣብ እንዳ ንግዳዊ ነቑጣታትን ውልቃዊ ውራያትን ኣብ ዝግበረሎም ቦታታትን ዝርከቡ ሰባት፡ ናይ ክትባት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝግደዱሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ምግላጹ ይዝከር’ዩ።
ካብ ታሕሳስ 1 ጀሚሩ ድማ፡ ካብ 100 ሰባት ንላዕሊ ኣብ ዝእከበሎም ከም ሙዚቃዊ ምርኢታት፣ ስፖርታዊ ግጥማትን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ዋዕላታትን፡ እቶም ዕዱማት ናይ ክትባት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ ከምዘተኣታተወ ዝፍለጥ’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com