Friday , May 17 2024
Healthcare is forced to prioritize after lack of medicines. (AP Photo/Frank Augstein) FAS504

ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ሚልዮናት ሰባት ይቐትል

ብመሰረት ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ `ቲ ንብዙሓት ሕማማት ንክከላኸለሎም ኢሎም ዝወስድዎ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ንብዙሓት ሕማማት ክቃወም ብዘይ ምኽኣሉ ሂወቶም ስኢኖም፡፡

መስራትን ፕሮፈሶርን ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት ዝኾነ፡ ኦቶ ካርስ፡ ቁጽሪ ናይ`ቲ ድምጺ ኣልቦ ለበዳ ኢሉ ዝጸወዖ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ብዘሰንብድ ኩነታት ይውስኽ ምህላዉ ንረድዮ ስዊድን ገሊጹ፡፡ ብመሰረት ኣበሃህልኡ፡ እዚ መጽናዕቲ `ዚ ካብ ዓለምለኻዊ ጸብጻባት ጥዕና ዝወጽእ ብዛዕባ ብሰንኪ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ዘጋጥም መጠነ ሞት ብጥንቃቐ ዝምርምር ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ `ዩ፡፡

ነድሪ ሳንቡእ፡ ምምራዝ ደም ከምኡ ውን ከቢድ ረኽሲ በንቲሽተ፡ ገለ ካብቶም ብሰንኪ ተጻዋርነት ኣንጻር መድሃኒት ጸረ ነፍሳት፡ ሂወት ሰባት ዝቐዝፉ ዘለዉ ሕማማት ምዃኖም ድማ የርኢ፡፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ ኣዚዮም ዝተቓልዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ከኣ ከቢድ ጉድኣት ክወርደን ተኽእሎ ኣሎ፡ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት፡ ክንክን ጥዕና ኩለን ሃገራት ክትንከፍ ምዃኑ፡ ካርስ፡ ገሊጹ፡፡

ብቐዳምነት ዝሳቐዩ ሰባት፡ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን ተኣፈፍትን ክፋል ሕብረተ ሰብ እዮም ድሕሪ ምባል፡ ንሳቶም ከኣ፥ ብመንሽሮ ዝሓመሙ ሰባትን መዓልቶም ከይኣኸለ ዝውለዱ ህጻናትን ምዃኖም፡ ካርስ፡ ከም ኣብነት ጠቒሱ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com