Wednesday , May 15 2024
The preacher Fethullah Gulen is believed to have been behind the 2016 coup attempt in the country. (AP Photo/Chris Post, File)

ቱርኪ፡ “ንግብረ ሽበራ” ሓገዝ ይገብሩ እዮም ዝበለቶም ናይ ባንኪ ሕሳባት ተደስክል 

ቱርኪ፡ ንግብረ ሽበራዊ ንጥፈታት ይሕግዙ እዮም ብዝብል ጥርጠራ ንርእሰ-ማል ናይ 770 ሰባትን ሰረቶም ካብ ኣሜሪካ ንዝኾኑ ትካላትን ተደስክል ከምዘላ ተሓቢሩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብቲ ናይቲ መንግስቲ ዕላዊ መጽሄት እዩ ተሓቲሙ ወጺዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ምስ ፈትሑላህ ጉለን፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃይማኖታዊ ሰባኺ ርክባት ዘለዎ ንብረት ናይቲ ኣብ ቺካጎ ዝመደበሩ ኒያጋራ ፋውንዴሽን ከምዝደስከለ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ትካል’ዚ ነቲ ኣብ ዓመተ 2016 ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዘቀነባበረ ዋና ሓይሊ እዩ ኢሉ መንግስቲ ቱርኪ ዝኾነኖ ትካል እዩ።
ብተወሳኺ፡ ምስ ንጥፈታት ናይ ጉለን ርክብ ኣለዎም ናይ ዝተባህሉ ንብረት ናይ ካልኦት 400 ሰባት ክድስክል ተገይሩ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።
ከም መንግስቲ ቱርኪ እንተድኣኾይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ Terrorism Financing Act ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሕጊ መሰረት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ንብረት ናይ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ካልኦት ሰባት ድማ ምስ ውድብ ሰራሕተኛታት ኩርዲ (Kurdistan Workers’ Party-PKK) ዝባሃል ውድብ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ክድስክል ተገይሩ’ሎ። እዚ ውድብ እዚ ብመንግስቲ ቱርኪ፡ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተኾነነ ውድብ እዩ።
ምስ ዝተፈላለዩ እስላማዊ ወታሃደራዊ ጉጅለታት ርክብ ኣለዎም ዝባሃሉ ኩሎም በዚ ውሳኔ ከምዝቕየዱ ተፈሊጡ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com