Friday , May 17 2024

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ኣመሪካ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶርናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ (ህንጻ ካፒቶል) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡  ዘይዕግበቱ ብምግላጽ፡ እዚ ጉድለት ሕጊን ስርዓትን ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ፡ ዝግባእ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ናሽናል ጋርድን ፈደራላዊ ኣኽበርቲ ጸጥታን ብቕጽበት ብምልኣኽ ነቲ ህንጻ ከውሕስዎን ነቶም ፈጠርቲ እምባጋሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእትዎም ጌረ ክብል ትራምፕ ንመርበብ ኣልሑራ ሓቢሩ። ንሱ፡ እዞም ኣድመኛታት ኣይውክሉናን እዮም፡  መቕጻዕቶም እውን ክቕበሉ እዮም ድሕሪ ምባል ኣበላሸውቲ ዴሞክራሲ ክብል ዘሊፍዎም ኣሎ።

ንሱ፡ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ከም ዝኣምንን ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ጥሪ 20 ክትካእ ምኳኑን ኣረጋጊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com