Thursday , May 16 2024
Protests in Chad's capital, N'Djamena, in April last year, when the former president died and his son Mahamat Idriss Deby Itno took power. (AP Photo/Sunday Alamba) XSA102

ቻድ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ፡ ምሕረት ገይራ

ኣብ ሞንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገርን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምቅርራብ ዝዓለመ ናይ መጀመርታ መርኣያ ክባሃል ዝኽእል፡ ናይ 22 እሱራት ምፍታሕ ዕላዊ ከምዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዞም 22 እሱራት፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክፍትሑ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበረ 296 ዝኾኑ ተቓለስቲ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ተቓለስቲ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት፡ ማሃማት ኢድሪስ ዴቡ ኢትኖን፡ እቲ ብወታሃደራዊ ጁንታ ዝምራሕ ናይ መሰገጋሪ መንግስቲን ንዝግበር ዝርርብ፡ ነቶም እሱራት ንኽፍትሑ ከም ኣካል ናይቲ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቦሞ ዝነበሩ ጠለብ ምዃኑ ዝዝከር’ዩ።
እቶም ዝርርባት፡ ኣብ ወርሒ የካቲት ዕለት 15፡ ክካየዱ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ እዚ ስዒቡ ድማ ብናይ ሓድሽ ቅዋም ምጽዳቕን ኮምኡ‘ውን ናይ ባይቶን ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫን ክዛዘም ተስፋ ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።
ማሃማት ኢድሪስ ዴቢ ኢትኖ ስልጣን ናይ ፕረዚደንትነት ዝሓዘ፡ ኣቡኡ ኢድሪስ ዴቢ ኣብ ኲናት ድሕሪ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሩ ምሟቱ ከምዝኾነ ዝዝከር’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፕረዘደንታዊ ምርጫ ናይ ሃገረ ቻድ ከምዝሰዓረ ምስ ተኣወጀ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
እቶም ተቓወምቲ፡ ነቲ ናይ ወዱ ስልጣን ምሓዝ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ክብሉ ብምውቃስ ንህዝቢ ቻድ፡ ዝኾነ ይኹን ውሳኔታትን ሕግታትን ካብቲ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝተመስረተ ወታሃደራዊ ሓይሊ ንኸይቅበሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝፍለጥ’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com