Thursday , May 16 2024
A damaged boat is partially submerged in a marina at Tutukaka, New Zealand (Tanya White/Northern Advcate/NZME via AP) NZH804

ኒውዚላንድ፡ “መስመራት ትሕተ ቅርጺ ቶንጋ፡ ክጽገን ብውሕዱ ሓደ ወርሒ የድሊ”

ኣብ ቶንጋ ብሰንኪ እሳተ ጎመራ ዝዓነወ ቀንዲ ትሕተ ማያዊ መራኸቢ ክጽገን ብውሕዱ ኣርባዕተ ሳምንታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኒውዚላንድ ገሊጹ።

“ብመሰረት ካብ ኣመሪካዊ ትካል መራኸቢታት Subcom ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዚ ኬብል ክጽገን ሓደ ወርሒ ክወስድ እዩ” ኢሉ። ኣብ ሳውዝ ፓሲፊክ 50 ሽሕ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መስመር መራኸቢታት ዝዘርግሐ subcom ምስ ትካል ተሌኮምዩኬሽን እታ ሃገር ብምዃን ነቲ ጽገና ኣብቲ ዝተተለመሉ ግዜ ክጽግኖ ይዘራረበሉ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።

እዚ መስመር፡ ብሰንኪ እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ከም እተቛረጸ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ብሰንኪ እዚ ሓደጋ፡ ደሴታት ፓሲፊክ ምስ ዝተረፈ ዓለም ዘለወን ርክብ ተቛሪጹ ምህላዉ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንኪ እቲ እሳተ ጎመራ እተላዕለ ሱናሚ ን ሓደ ብሪጣንያዊ ዜጋ ሓዊስካ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቐተለ ተገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪዚ ንዝተሃስዩ ዜጋታት ንምርዳእ መንግስቲ ዘዋፈሮም ጒጅለታት፡ 24 ሰዓታት ይዓዩ ኣለዉ ክብል ጸብጻብ BBC የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com