Wednesday , May 15 2024

ናይጀርያውያን ሙዚቀኛታት፡ ሽልማት ግራሚስ፡ ይዕወቱ

ኣባላት ናይጀርያዊ ጒጅለ ሙዚቃ ኣፍሮቢት ቡርና ቦይን ዊዝኪድን፡ ናይ 2021 ተሸለምቲ ግራሚስ ኮይኖም ኣለዉ። ቡርና ቦይ (burna boy) ብብሉጽ ኣልቡም ክዕወት እንከሎ ዊዝኪድ (wiz kid) ከኣ ምስ ተዓዋቲት ግራሚስ ዝኾነት ቢዮንሴ ብዝተጻወቶ ብራውን ስኪን ገርል (brown skin girl) ዝተሰምየት ሙዚቃዊ ቪድዮ እዩ ተዓዋቲ ኮይኑ ዘሎ። ጓል ቢዮንሴ፡ ብሉ ኣይቪ፡ ኣብዛ ደርፊ ከም እተዓወተት እውን ተፈሊጡ። ብናይ ስነጥበብ ስሙ ቡርና ቦይ ዝፍለጥ፡ ዳሚኒ ኦጉሉ፡ ን ካልኣይ ዓመት እዩ ተረቋሒ ሽልማት ዝኸውን ዘሎ–ይብል ጸብጻብ ቢቢሲ። እዚ መበል 63 ሽልማት ግራሚስ፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ዝዓበየ ሙዚቃዊ ምሸት ተባሂሉ ዝፍለጥ ጽንብል፡ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና፡ ድምቀቱ ብምስኣኑ ናይ ሎም ዓመት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከም ዝተኻየደ ተጠቒሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com