Friday , May 17 2024

ናይ ዕቚባ ሕቶኦም እተነጽገ ሰባት ዳግማይ ከመልክቱ ዓሰርተ ዓመት ዘጸብይ እማመ ይቐርብ።

ኮሚተ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ባይቶ ሽወደን ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ምሉእ ብምሉእ እተነጽገ ሰባት ኣብ ክንዲ በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ገደብ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዳግማይ ከመልክቱ ንዝብል እማመ የጽንዖ ምህላዉ ሬድዮ ኤኮት ሓቢራ። እታ ኮሚተ ኣብ እኩባት እማመታት ንምዝታይ ምስ ወከልቲ ባይቶ ክትራኸብ ምዃና እውን ተገሊጹ’ሎ። ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትን ሰልፊ ሞደራትን ጽንክር ዝበለ ሕጊ ክወጽእ ኣለዎ ኣብ ዝብል መርገጺ ምጽንዖምን ሊበራላውያን እውን ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ቅዋም ክርዕሙ ምጅማሮምን ድማ ተመልኪቱ። ቅዋም ሰልፊ ክርስተያን ዴሞክራትስ ሕቶ ዕቚባ ሓንሳብ ጥራይ እዩ ውሳነ ክወሃበሉ ዝግባእ ከም ዝብል ዝፍለጥ እዩ።

ብመሰረት ለበዋ እታ ኮሚተ “ሕጊ እንድሕሪ ተመሓዪሹ ናይ ዕቚባ ሕቶኦም እተነጽገ ሰባት ኣብ ሽወደን ክሳብ ክንዳኡ ክጸንሑ ብዙሕ ዝሕሰብ ኣይኮነን” ክብል ጽንኩር ምዃኑ ኣሚቱ’ሎ። ሰልፊ ጸጋማይን ሰልፊ ሓምላይን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዳግማይ ምምልካት ንዝብል ሓሳብ እዮም ክድግፉ እንከለዉ ሰልፊ ማእከላይ ግን ዝኾነ ሓሳብ ኣየቕረበን። ብዘይካዚ ኮሚተ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ካልኦት ጒዳያት እውን ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ። ገለ ካብዚኣቶም ንሕቶ ዕቚባ ደረት ምንባር፥ ጥርናፈ ስድራን ኣዝማድን ኮይኑ ጸብጻብ መጽናዕታ ክሳብ ወርሓ ነሓሰ ናብ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ጆሃንሰን ከተቕርብ እያ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com