Friday , May 17 2024

ናይ ጓሓፍ መካይን ዝስከመኦ ዘለዋ ክብደት፡ ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ኣትክልቲ ናብ መሬት ዝወደቑ ፍረታት፡ ኣኪብካ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ምእታው ተመራጺ ኣይኮነን። ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ንተወሳኺ ክብደት ጽሟቕ ናይ ፍረታት ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ክብል ካብ ቫስትማንላንድ ዝፍነው ሬድዮ ሽወደን P4 ሓቢሩ።

ብጽሟቕ ናይ ፍረታት ዝፍጠር ተወሳኺ ሚዛን ሒዝና ክንዝውር ብጣዕሚ የሸግረና እዩ። እታ መኪና ንኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ጥብጥብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ ክብል ካብ ቫፋብ ሚልዮ፡ ቫስትሮስ፡ ዝኾነ ዮሃን ባቨርስቴን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

እዞም ካብ ኣታኽልቶም ዝወድቁ ዘለዉ ፍረታት፡ ኣብ ፍሉይ መትሓዚ ተኣኪቦም ክጓሓፉ ኣለዎም ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com