Friday , May 17 2024

ንስደተኛታት ዝኽፈቱ ዕድላት ናይ ስራሕ፡ እኹላት ከምዘይኮኑ ጸብጻባት ሓቢሮም

ናይ ስደተኛታት፡ ሕሉፍ ናይ ስራሕ ተመክሮታትን ብቛንቋ ሽወደን ዝውሰድዎ ስልጠናታትን፡ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ዝኽፈቱ ዕድላት፡ ዓቢ ጽልዋ ከምዘይብሎም ንጋዜጣ ዳጊኒዝ ኔሂተር ዘቕረቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ሬድዮ ኢኮት (IKOT) ኣቃሊሑ።

እቲ ጸብጻብ፡ ብሰለስተ ኣብ ትካል ንግዳዊ መጽናዕቲ (IFN) ዝሰርሑ ናይ ቁጠባ ክኢላታት፡ ንኹነታት ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ድሕሪ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ዝተጻሕፈ እዩ።

መባእታዊ ደሞዝ ናይ ትሑት ደረጃ ስራሕ ክጎድል፡ ዕድላት ምስትምሃር ክዓቢን ብቕዓት ትምህርቲ ኤሰፊ ክውስኽን ዝብሉ፡ በቶም ናይ ቁጠባ ክኢላታት ዝቐረቡ ሓሳባት እዮም።

ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ እተን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንምውህሃድ ዘኽእለን ኣገባብ፡ ዕድላት ስራሕ ምንዳይን ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ምእታውን እዩ ክብሉ እቶም ክኢላታት ኣረጋጊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com