Friday , May 17 2024

ንኮሮናቫይረስ ዚጻረር ክታበት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ድሉው ኪኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።

እዚ ድማ ብሓደ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዚርከብ ጉጅለ ተመራመርቲ እዩ ዚምዕብል ዘሎ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ ትስፍው ደረጃ ከምዘሎ ኣብ ከተማ ለንደን እትሕተም  ጋዜጣ ዘ ታይምስ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ተመራማሪ ዓለም ሓንቲ ስራሕ ኢያ ዘላቶ፥ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ መድሃኒት ንምርካብ። እዚ ግን ነዊሕ እዋን ዚወስድ ስራሕ ብምዃኑ ከቢድ ከምዝገብሮ ትሕብር። ሕጂ ግን ግዜኡ ዝቐረበ ይመስል፡ ብመሰረት ሳራ ጂልበርት ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪት፡ እቲ ክታበት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሰብ ኪፍተን ኢዩ፡ እንተ ተዓዊቱ ድማ ኣብ ጽድያ ኪጅመር ክመዝኽእል ተትንብህ። ንሳ ብምቕጻል፣ ”ንኺnዕወት ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ግን ስምዒት ጥራይ ዘይኮነስ ብትንተና እተበጽሐ እዩ፡ ንክዕወት 80% ተኽእሎ ከም ዘሎ እግምት”  ብምባል ነዚ ሞዕባለ ክተበት ተብርህ።

እቲ ናይ ምፍራይ መስርሕ ግን ብዙሕ ግዜ ከምዝወስድን፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ መፈጸምትኡ ከብጽሕዎ ኣብ ሓያል ጻዕሪ ከምዝርከቡ ትሕብር። ብዛዕባ ምምዋሉ ድማ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ተዛራሪብና ኣሎና፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ውጽኢታዊ ዚመስል መድሃኒት ኪምውሎ ድሉው ሙዃኑ ትሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com