Thursday , May 23 2024
Naina Helen Jåma/TT

ንውሱናት መንግስታውያን ትካላት ሽወደን፡ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ፡ ዝተመሓየሸ እማመ ሕጊ ቀሪቡ ተባሂሉ

በዓልመዚ ጸጥታ ሽወደን ሳፖን (SAPO) ሓይልታት ምክልኻልን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሮም፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፍን ኣገዳስን ዕዮ ንእተዋፈራ ከም ናይ ጸዓት፡ ትሕተ-ቕርጽን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዝነጥፋ ኩባንያታት ኣብ ዝሸይጣሉ እዋን፡ ናይ መሸጣ መስርሕ ክዓግቱ ዘኽእሎም ስልጣን ንኽህልዎም፡ ካብ መንግስቲ ናብ ቆንስል ሕጊ፡ ዝቐረበ እማመ ኣብሪሁ።

ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን መኽሰብ ንምርካብ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰራርሓ ከም ስትራቴጂ ተጠቂመን ክሰርሓሉ’ኳ እንተጸነሓ፡ ሽወደን ግን ንዓሰርታት ዓመታት ዝኣክል ነዚ ክትገብር ዘኽእላ ሕጊ ኣይነበራን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ከም ዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ሳፖ ብወገኑ፡ ቅልውላው ኮሮና፡ ቅስመት ኩባንያታት (መሸጣ ኩባንያታት) ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ መንግስቲ፡ ነዚ ደው ከብሎ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ እማመ ምምሕያሽ ሕጊ፡ ዝኾነ ንጸጥታ ሽወደን ኣብ ስግኣት ከእቱ ዝኽእልን ሚስጢር ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብን ቅስመት ኩባንያታት፡ ብመንገዲ SAPO ወይ ድማ ሓይልታት ምክልካል ንኽዕገት ዘኽእል ዝብል እዩ።

እዚ ንህዝባዊን ብሕታዊን ትካላት ብማዕረ ዝጸሉ ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስተር፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

መስርሕ መሸጣ ንኽሳለጥ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት መንግስቲ፡ እቲ ተኣፋፊ ዝበሃል ኣካል’ቲ ኩባንያን እቲ ደሓን ዝበሃልን ክፈላለ ከምዘለዎ ሓበሬትኦም ከቕርቡ ከምዝግባእ ተገሊጹ። ብወገን’ቲ ኩባንያ፡ ንዝተሓበሮ ኣብ ዘይፍጸመሉ እዋን፡ መስርሕ መሸጣ ናይታ ኩባንያ፡ ብደረጃ መንግስቲ፡ ከምዝዕገት ይኸውን። ወናኒ ኩባንያ ድማ፡ ዝኾነ ዓይነት ካሕሳ ኣይረክብን።

እዞም ሕግታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ብንጽልን ብግቡእን ክግምግምዎ ብዝኽእልሉ ኣገባብ  እዮም ተዳልዮም ዘለዉ ክብል ዳምፐሪ ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com