Wednesday , May 15 2024
SKR, the employer and member organization for the country's municipalities and regions. Foto Henrik Montgomery / TT kod 10060

ንደገፍ ዕዮ-ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝውዕል 25 ሚልዮን ክሮኑር ተሰሊዑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዘ ጎነጽን ጭኮናን ልዑል ኣተኩሮ ብምግባር፡ ዕዮ-ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምዕባል፡ ናይ 25 ሚልዮን ክሮነር ዝኸውን ገንዘብ ንምምሕዳራትን ዞባታትን ሰሊዑ ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ናብቲ ኣብ ምምሕዳራትን ዞባታትን ብዛዕባ ጾታዊ ኣተሓሳስባ ዝካየድ ስራሕ ዝወዕል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓመተ 2022፡ ኣብ ጥቕሚ ክወዕል ምዃኑ ውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስተር ጾታን ማዕርነትን ዝኾነት፡ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘስመዓቶ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ክንክን ጥዕና፡ መውዓሊ-ህጻናት ከምኡ ውን ኣብያተ-ትምህርቲ ዝፍጸም ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ዓመጽን ኣሰራርሓን ንምክልኻልን ኣቐዲምካ ምፍላዩን ብምሕሳብ፡ ነቲ ስራሕ ምጥዕዓም ኣድላዪ እዩ ኢላ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com