Friday , May 17 2024
Christine Olsson/TT Nyhetsbyrån

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ግሉጽነት ዘለዎ ፋይናንስ ክህልዎም ሕቶ ቐሪቡ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ዝበለጸ ግሉጽነት ዘለዎ ፋይናንስ ክህልዎም ከፈልቲ ግብሪ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ከፈልቲ ግብሪ ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ ንናይ ዴንማርክ ሞዴል ብምኽታል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝተፈላለዩ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ብመልክዕ ሉኣላዊ ፍቓድ ዝረኽብዎ መጠን ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ዝርዝራቱ ከም ዘይፍለጥ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ግና ንፈለማ ግዜ ንጉስ ጉስታቭ ካርል መበል 16፡ ንግስቲ ሲልቪያ ከምኡ’ውን ክልተ ደቆም ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝወሃቦም ከምኡ’ውን መጠን ወጻኢታቶም ዕላዊ ክከውን እዩ ክትብል እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com