Monday , May 20 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ኖርወይ፥ ፖሊስ ዝበዝሐ ዕጸ-ፋርስ (ኮኬይን) ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም።

ኣብዚ ሰሙን ፖሊስ ኖርወይ ዝበዝሐ መጠን ዕጸፋርስ–ኮኬይን–ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእይቶም። እዚ 8 ኲንታል ዝምዘን
ዕጸፋርስ፥ ኣብ ኦስሎ ኣብ ውሽጢ ሳናዱቕ ፍረታት እዩ ተሓቢኡ ተረኺቡ። እቲ ዕጸፋርስ ዝተታሕዘ፥ ሰብመዚ ኖርወይ ካብ ፖሊስ
ጀርመን ብዝረኸብዎ ሓበሬታ እዩ። ፖሊስ ጀርመን እውን ትማል ሰሉስ፥ ኣብ ፖስትዳም 12 ኲንታል ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር
ምእታዎም፥ ማዕከን ዜና “ኖርወይ ኒውዝ” ሓቢራ። እዚ ዕጸፋርስ፥ ኣበየናይ መዓልቲ ከም እተታሕዘ፡ እቲ ፍረታት ከኣ ካበይ
ዝመጸ ምዃኑ ፖሊስ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ። ምስዚ ወንጀል ብእተተሓሓዘ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ
ሰብ የለን። ኣብ ታሪኽ ኖርወይ ዝበዝሐ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ ዕጸፋርስ እዚ እዩ ዝበለት ኣፈኛ ፖሊስ ግሬት ሊየን
መትሊድ፥ እዚ ዕጸፋርስ ንዕዳጋ ኖርወይ ተባሂሉ ዝኣተወ ድዩ ወይስ ኖርወይ ከም መስጋገሪት እያ ተሓሲባ ዛጊት ክጣለል ከም
ዘይተኻእለ ወሲኻ ገሊጻ።
“ኣብ ውሽጢ ኖርወይ ኣባላት ዘለዎ ሰፊሕ መርበብ ምህላዉ ንፈልጥ ኢና” ክትብል ኢየን ን ማዕከን ዜና NTB ሓቢራ’ላ። እቲ
ናይ ፍሩታ ሳንዱቕ ካብ ዝዓበየ መከፋፈሊ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኾነ መኻዚኖ ባማ ዝመጸ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ኲባንያ ፒያ
ጉልብራንሰን ገሊጹ’ሎ። ቅድሚዚ ፍጻመ ዝዓበየ ዝተታሕዘ ዕጸፋርስ ኣብ 2012 ኮይኑ ልዕሊ 1 ኲንታልን ፈረቓን፥ ኣብ 2013
ከኣ 1 ኲነታልን 45 ኪሎን ዕጸፋርስ ኣብ ሳናዱቕ ፍረታት ከም እተታሕዘ “ኖርወይ ኒውዝ” ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com