Friday , May 17 2024
Security forces walk near the scene of a blast on a street near the parliamentary building in Kampala, Uganda, Tuesday, Nov. 16, 2021. Two loud explosions rocked Uganda's capital, Kampala, early Tuesday, sparking chaos and confusion as people fled what is widely believed to be coordinated attacks. (AP Photo/Ronald Kabuubi) NAI106

ኡጋንዳ: ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ADF: ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተካይድ

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊቲ ካብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራስያዊት ሪፓብሎክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ጥምረት ዴሞክራስያዊ ሓይልታት ADF ዝተባህለ ጒጅለ ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን መጥቃዕቲ ምክያዱ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረት ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል ኡጋንዳ: ብርጋዴር ጀነራል ፍላቪያ ብዬክዋሶ: እያ።

እዚ ስርሒት: ምስ መሻርኽቲና ዝኾነ መንግስቲ ኮንጎ ኢና ነካይዶ ዘሎና ዝበለት እታ ኣፈኛ: እቲ መጥቃዕቲ ብልክዕ ኣበየኖት ከባቢትታ ይካየድ ምህላዉ ግና ኣይጠቐሰትን።

ADF ምስ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ (IS) ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ሰብመዚ ኡጋንዳ ይኸስዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዚ ጒጀለ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኡጋንዳ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲታት ምክያዱ እቶም ሰብመዚ ይኸሱ።

ክልተ ሰሙን ይገብር ዳዕሽ ኣብ ክልተ ከባቢታት ካምፓላ ንእተኻይዱ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲታት ቦምብ ሓላፍነት፡ ምውሳዱ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ መጥቃዕቲታት ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ: እዚ መጥቃዕቲ ገሊኡ ነፍሰ-ቕትለታዊ ምንባሩ ፖሊስ እታ ሃገር ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com