Thursday , May 16 2024
There is a shortage of lorry drivers in the UK, but it is difficult to bring foreign workers into the country (AP Photo/Frank Augstein) FAS133

ኢንዱስትሪ ብሪጣንያ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክፎክስ ጸዊዑ

ብሪጣንያ፡ ነቲ ሓድሽን ተሪርን ሕጊ ኢሚግሬሽን ብምፍኳስ፡ ተወሰኽቲ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ናብታ ሃገር ንኽኣትዉ ክፈቀድ፡ ኮንፈደሬሽን ኢንዱስትሪታት ብሪጣንያ (CBI) ጸውዒቱ ኣቕሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ዓመት፡ ቀይድታት ለበዳ ኮሮና፡ ከምዝፎኽሱ ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣብ ጽላት ሎጂስቲክን መግቢን ዝኣመሰላ ኢንዱስትሪታት፡ ሕጽረት ሰራሐተኛታት ኣጋጢሙ ከምዘሎ፡ ብርክት ዝበላ ኩባንያታት ጥርዓናተን የቕርባ ምህላወን ተፈሊጡ። ንኣብነት፡ ብምኽንያት ስእነት መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፡ ኣስራሕቲ፡ ንሰራሕተኛታት ብኣሸሓት ፓውንድ ዝግመት ተወሳኺ ክፍሊት ክኸፍሉ ተገዲዶም ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ።

መንግስቲ ኣብ ክንዲ ቀይዲ ዘይብሉ ምእታው ሰራሕተኛታት ወጻኢ፡ ኣብ ሞያ ዘተኰረ ናይ ኢሚግሬሽን ስርዓት ከተኣታቱ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ርኡይ ዝኾነ ጠለብ ሰራሕ እኳ እንተሃለወ፡ ንዕኡ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ግን ኣይተረኽበን” ክብል ዳይረክተር ጀነራል CBI፡ ቶኒ ዳንከር፡ ገሊጹ።

መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ሞያታት ምሕራድ ከብቲ፡ ምምራሕ መኪናን ስራሓት ህንጻን ዝነጥፉ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም ሰራሕተኛታት፡ ቪዛ ንምሃብ ሕጊታቱ ከፉክስ ይግባእ ክብል CBI ወሲኹ ጸዊዑ’ሎ። መንግስቲ ብወገኑ፡ እዘን ኢንዱስትሪታት፡ ንብሪጣንያውያን ዜጋታት ስልጠና ብምሃብ ነቲ ሃጓፍ ክመልኣ ኣለወን ክብል መሊሱ’ሎ።

እዚ ናይ ስልጠና መስርሕ ግን ክሳብ ክልተ ዓመታት ዝወስድ ግዜ ከድልዮ ከምዝኽእል፡ CBI ስክፍትኡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com