Thursday , May 16 2024
(AP Photo Jon Super) MJS118

ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ፡ ካብ ዕዳጋታት ናብ ፋብሪካ ተመሊሱ

ኤሪክስበርግ ሆቭማስታርላገር (Eriksberg hovmästarlager) ዝዓይነቱ ናይ ፍርያት ቁጽሩ 1954-03 ዝኾነ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ፡ ብጌጋ 5.4% ኣልኮል ዝብል ጽሑፍ ስለዝተለጠፎ፡ ካብ ዕዳጋታት ክምለስ ኩባንያ ሲስተምቦላገት ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ቢራ፡ ኣልኮል ዘይብሉ ስለዝኾነ፡ ኩሎም ዕለተ ጥቕሞም ክሳብ 09-03-2022 ዝኾኑ ፍርያት እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ቢራ፡ ናብ ፋብሪካ ክምለሱ ምዃኖም፡ ሲስተምቦላገት፡ ኣብ ዘቃለሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ቅድሚት ናይቲ ጥርሙዝ ዘሎ ጽሑፍ፡ ግጉይ ሓበሬታ ዝተጻሕሮ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ክሳድ ጥርሙዝ ዘሎ ግን፡ ቅኑዕ ሓበሬታ እዩ ተጻሒፍዎ ዘሎ ክብል እቲ ኩባንያ ወሲኹ ገሊጹ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ፍርያት ቢራ፡ ዓዲጎም ዘለዉ ዓማዊል፡ ኣብ ዝኾነ ድኳናት ናይ ሲስተምቦላገት ብምኻድ፡ ክመልስዎ ከምዝኽእሉ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com