Thursday , May 16 2024
A member of staff pours a beer in a pub (AP Photo Jon Super) MJS118

ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ካብ ዕዳጋታት ተኣኪቡ

ስፐንድሩፕስ (Spendrups ) ንሓደ ካብ ፍርያቱ ዝኾነ፡ መለሩድ (Mellerud) ዝተባህለ ዓይነት ቢራ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣጸሓሕፋ ዝተረኽበ ጌጋ፡ ካብ ዕዳጋታት ክእክብ ከምዝወሰነ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ዓይነት ቢራ፡ 4.5% ኣልኮል እንተነበሮ፡ ገለ ካብ ዝፈረዩ ጠራሙዝ ግን፡ ኣልኮል ኣልቦ ዝብል ጽሑፍ ብጌጋ ከምዝተለጠፎ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

እቲ ጌጋ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ መፍረ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገማት ዝተኸስተ ከምዝኾነን፡ እቲ ኣጋጣሚ ድማ ብዕቱብ ተራእዩ፡ ኣብ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ንኸይፍጸምን በዚ ዘጋጠመ ድማ ሓዚንና ኢና ክብል፡ እቲ ኩባንያ፡ ገሊጹ።

እተን ናይ 33 ሰንቲሊትር ጥራሙዝ ዝርከበኦ ዝበዝሑ ዕለተ ምውዳቖም 7 ሓምለ 2022 ዝኾኑ ፍርያት ቢራ፡ ካብ ዕዳጋታት ከምዝተኣከቡ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com