Wednesday , May 15 2024
U.S. Secretary of State Antony Blinken. File

ኣመሪካን ሩስያን ብጒዳይ ዩክሬይን ክዘራረባ እየን 

ሩስያ ንዩክሬይን ክትወርር ትኽእል እያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን: ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ምስ መዘናኡ ሩስያዊ: ሰርጌይ ላቭሮቭ: ኣብ ጀነቫ ተራኺቦም ክዝትዩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ሩስያ ንዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ: ከቢድ ሳዕቤናት ክወርዳ ከም ዝኽእል: ብሊንከን: ትማል ሓሙስ ን ሞስኮ መጠንቀቕታ ኣተሓላሊፉ ኔሩ እዩ።

ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝኸውን ወተሃደራት ኣጸጊዓ እኳ እንተሃለወት: ነታ ሃገር ናይ ምውራር ውጥን ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ሩስያ: ቭላድሚር ፑቲን: ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላ ከምኡውን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝግበር ንጥፈታት እዚ ውድብ ክንኪን ዝብልን ካልእን ጠለባት ናብ ሃገራት ምዕራብ እኳ እንተቕረበ: ተቐባልነት ክረክብ ከም ዘይከኣለ እዩ ዝግለጽ።

ሩስያ: ንዩክሬይን ክትወርር እንተፈቒድና: ኣህጒር ኣውሮጳ ናብ ሓደገኛን ምርግጋእ ዝሓረሞ ዘመን ክንምለስ ብእኡ ኣቢልና እውን ስግኣት ኲናት ከንጸላልወና እዩ ብምባል ብሊንከን ብሓሙስ ምስ ሰብመዚ ጀርመን፥ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝገበሮ ዘተ ምግላጹ ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ።

ሩስያ ዶብ ዩክሬይን ሰጊራ እትፍጽሞ ዝኾነ ይዂን ተግባር: ኣሜሪካ: ከም ምሉእ ወራር ከም እትርእዮን ነዚ ድማ ሕቡር ቊጠባዊ ግብረመልሲ ክትህበሉ ተቐሪባ ምህላዋ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣጠንቂቑ’ሎ።

ብዛዕባዚ ጒዳይ: ምስ መሻርኽትና ብተደጋጋሚ ዘቲናሉ ኢና ዝበለ ባይደን: ንፕረሲደንት ሩስያ: ቭላድሚር ፑቲን: ብዛዕባ ውሳኔኡን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት እገዳን ብዝምልከት: እዂል መጠንቀቕታ ከም እተዋህቦ ወሲኹ ገሊጹ። ንእሽቶ፡ ወይስ ዓቢ ወራር ዝበሃል የለን፥ ወራር ወራር እዩ፥ ሩስያ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ኢላ እንድሕሪ ወራር ፈጺማ: ከቢድ ዋጋ ክትከፍል እያ ክብል ባይደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com