Friday , May 17 2024

ኣሜሪካ፡ ንክታበት ጆንሶን፡ ንግዝይኡ ከተቋርጾ ወሲና

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነቲ ልዕሊ 7 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ዝተኸትብዎ፡ ፍርያት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ጆንሶን ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ንግዝይኡ ከምዘቋረጸቶ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነዚ ውሳነ ዝወሰነ፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ 6 ደቂ ኣንስትዮ ዝተራእየ ደም ናይ ምርጋእ ኣጋጣሚ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዘን ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 48 ዓመት ዝርከባ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክታበት ጆንሶን ዝተኸትባ እየን። ካብዘን ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ከምዝሞተትን ካልኣይቲ ድማ ብኸቢድ ተጠቒዓ ከምዘላን ተፈሊጡ ኣሎ። ክታበት ጆንሶን፡ ምስ’ዚ ኣብ ልዕሊ እዘን 6 ደቂ ኣንስትዮ ኣጋጢሙ ዘሎ ደም ናይ ምርጋእ ተርእዮ ምትሕሓዝ ከይህልዎ ብዝብል ምኽንያት፡ ንግዚኡ ደው ከምዝብል ተገይሩ ምህላዉን፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ክካየድሉ ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ፍርያት ኩባንያ ጆንሶን ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ክቕበል ትጽቢት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዩ ምኽሳቱ፡ ንጉዳይ’ቲ ክታበትን ምርጋእ ደምን ብዝምልከት ዝያዳ መጽናዕቲ ክገብረሉ  ምዃኑ፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ሓቢሩ።

ክታበት ኮቪድ-19፡ ጆንሶን፡ ሓንሳብ ትውጋኣ፡ ሓንቲ ብልቃጥ ጥራይ ምዃና ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com