ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ፈረንሳን ተኸሲቱ ዝነበረ ወጥሪ እናፎኸሰ ምምጽኡን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣምባሳደር ፈረንሳ ናብ ዋሺንተን ክምለስ ምዃኑን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማል ረቡዕ ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ እዩ እዚ ዝምድና ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ተባሂሉ’ሎ።
ብሰንኪ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምስ ኣውስትራልያ ዝገበራኦ ወተሃደራዊ ውዕል: እታ ሃገር ሳብማሪናት ፈረንሳ ናይ ምህናጽ ስምምዕ ብምስራዛ ፈረንሳ ኣብ ዋሺንተንን ኣውስትራልያን ዝነበራ ኣምባሳደራታ ንዘተ ብዝብል ስሒባ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ባይደንን ማርኮንን ምትእምማን ንምድልዳል ዘኽእሎም ዝርዝራዊ ልዝብ ንምግባር ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ክራኸቡ ምዃኖም ድሕሪ ናይ ተሌፎን ዝርርቦም ዝወጸ መግለጺኦም ሓቢሮም።
ንረብሓ ፈረንሳን ኣውሮጳውያን መሻርኽትናን ኣብ ዝምልከቱ ስትራቴጂያዊ ጒዳያት ክፉት ልዝብ እንተዝህሉ እዚ ኲነታት ዝያዳ ጠቓሚ ምኾነ ክብሉ እዞም መራሕቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም ኣለዉ።