Thursday , May 16 2024

ኣሽሓት ዜጋታት ሽወደን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ደብዳቤታት ተቐቢሎም።

“ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣምሳያ ካሕሳ መካይኲም ክንህግረን ኢና” ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ደብዳቤ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ደብዳቤታት ምቕባሎም ተፈሊጡ። ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን P4 ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ነዘን ንወተሃደራ ስርሒት ምቹኣት ዝኾና መካይን (ብፍላይ ድማ ናይ ጽዕነት መካይን) ብምህጋሩ ንወነንተን ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ኣዋጅ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ዋሕዲ መካይን ስለዘጋጥም ምዃኑ ብምጥቃስ 98 ሚእታዊት ካብቶም ደብዳበ እተቐበሉ ሰባት ኣዎንታዊ መልሲ ምሃቦም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com