Thursday , May 16 2024

ኣብዚ ሰሙ ከፈልቲ ናይ ግብሪ ቅጥዒ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክቕበሉ ጀሚሮም።

ሎሚ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ከፈልቲ ግብሪ ናይ 2019 ቅጥዒ ቀረጽ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክቕበሉ እዮም ተባሂሉ። በዓልመዚ ቀረጽ ነዞም ቅጥዕታት ካብ 11 መጋቢት ጀሚሩ ክልእኮም እዩ። ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ዲጂታላዊ ኣገባብ ዝጥቀሙ ከፈልቲ ግብሪ ምውሳኹን ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሉ ምብጽሑን ድማ ተገሊጹ።

ነዚ ናይ ቀረጽ ኣዋጅ ዝተሰማምዓሉ ዘበለ ሰብ ነቲ ዝግብኦ በቲ ዝስደደሉ ዲጂታላዊ ቅጥዒ ኣቢሉ ከማልእ ከም ዝግባእ ድማ ተመልኪቱ። ዓማዊል ነቲ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ከንብብዎን ቼክ ክገብርዎን ከም ዝግባእ ንክኢላ ቀረጽ እቲ በዓልመዚ ብምጥቃስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com