Thursday , May 16 2024

ኣብዚ ዓመትዚ ቊጽሪ ምፍንጃር ብናህሪ ምውሳኹ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ።

ክሳብ መወዳእታ 2019 ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር 236 ምፍንጃራት ከም ዝረኣየን እዚ ድማ ምስቲ ዓሚ ዘጋጠመ 162 ምፍንጃራት እንክረአአ ገዚፍ ምውሳኽ ምርኣዩ BRA ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። ኣብዚ ዓመትዚ ዝተራእየ ምፍንጃራት ከምቲ ናይ ዓሚ ብብዝሒ ብዘቤታዊ ስርሓት ቦንባታት ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። “እዞም ናውቲ ጉጀለታት ገበን ዝጠቀሙሎም ኣዝዮም ሓደገኛታት መሳርሒታት እናኾኑ እዮም ዝመጹ ዘለዉ” ክብል ኣብ NOA ሃገራዊ ፖሊስ ዳይረክተር እቲ ስርሒታት ስቴፈን ሄክተር ገሊጹ።

እዚ ተርእዮ ብተዛማዲ ሓድሽ ምዃኑን፥ በዚ ዝኽሰት ሞት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ምጒዳል ምርኣዩ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ክሳብ ታሕሳስ 15 ክሳብ 316 ዝኾኑ ምትዃሳት ምግጣሞምን 38 ሰባት ምሟቶምን ፥ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2018 ዝተኸስተ 306 ምቱኻሳትን 45 ሞት ሰባትን እንክረአ ምንቊልቋል ምርኣዩ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com