Friday , May 17 2024

ኣብያተ መግቢ ሽወደን በርገር ኪንግ ንዓማዊሉ ዝሓደረ ዓይነታት መግቢ የቕርብ ምህላዉ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበረቶ መርመራ እቲ ክጐሓፍ ዝግብኦ መግቢ ኣብዘን ህቡባት ኣብያተ መግቢ ይሽየጥ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዘን ኣብያተ መግቢ ኣናጹ ከም እተራእያ ገለ ተገልገልቲ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ እታ ጋዜጣ ስም ናይተን ኣብያተ መግቢ ካብ ምርቋሕ ተቘጢባ’ላ።

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ምስ ገለ ካብዞም ሰራሕተኛታት ኣን ዝገበረቶ ዕላል ዝሓደረን ክጐሓፍ ዝግብኦ መግብን ስለምንታይ ንዓማዊል ክቐርብ ይግበር ኣሎ ኢላ ሓቲታ’ላ። ኣካያዲ እቲ ትካላት ብወገኑ ስም ክሳብ ዘይተረቚሐ ነቲ ዝተባህለ ሕማቕ ተግባር መርመራ ከካይድ ከም ዘጸግመሉ ጠቒሱ፡ እንተኾነ ልሙድ ናይ ክትትክ ስርሑ ከም ዘካይድ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com