Thursday , May 16 2024

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ተመሊሶም።

ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገበናውያን ጒጅለታት ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ናብ ሽወደን ከም ዝምለሱ ተጌሮም ኣለዉ።

እዞም ሕዩራት ናብ መንቆል ዓዶም ክበጽሑን ደሃይ ክገብሩን እዮም ናብተን ሃገራት ጌሾም ኔሮም። መብዛሕትኡ እዚ ምሕያር ኣብ ኬንያን ሶማልን ዝተኻየደ ምንባሩ እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እዞም እሱራት ንማህረምቲ ማእሰርቲን ካልእ ጎነጽን ተቓሊዖም ምንባሮም እታ ጋዜጣ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com