Wednesday , May 15 2024

ኣብ ልዕለይ ዝግበር ወፍሪ ነቐፌታ ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ይብል መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ክሪስተርሰን።

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና (ዓቅባቂ) ኡልፍ ክሪስተርሰን ነቲ ምስ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራሲ ዘለዎ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ወፍሪ ነቐፌታ ዝበለየ ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ክብል ኣዋዲቕዎ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ነዚ ናይ ነቐፌታ ወፍሪ ስነስርዓት ዘይብሉ ክብል ዘሊፍዎ’ሎ። “ዘሎ ሽግራት ንምልዛብ ምስ ዝደለኽዎ ሰልፊ ክዛተ ሕጂ’ውን ድሉው እየ” ድማ ኢሉ። ኣብ ባይቶ ሽወደን ዘሎ ክትዓት ወረጃ ባህሉ እናሓደገ ናብ ደረጃ ማሕበራዊ ሚድያ ምውራዱ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ እውን ገሊጹ’ሎ።

ዝጀመሮ ምቅርራብ ክገድፍ ካብ ጻውዒት ሰልፍታት ዘሎ ሕቶ ” ኣብ ክንዲ ናብ ኢድ ምውጥዋጥ ዝኸዱ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ እንተዘተኲሩ ምሓሸ። ኣነ ዋኒነይ ፖለቲካዊ ሽግራት ምፍታሕ እዩ” ኢሉ። ንሱ ነቲ ኣብ መንጐ ሰልፍታት ማእከልን የማናውያን ዝነበረ ምሕዝነት ምፍሻሉ፥ ንሱ ግና ሕጂ’ውን ንዂሎም ተዛተይቲ ኣእዳዉ ዝርጉሓት ምህላወን ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com