Thursday , May 16 2024
Foto: Lars Schröder / TT kod 10510

ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተጻዕነ እገዳ ኣብ ቊጠባ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ ንእሽቶ እዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ ብተዛማዲ ውሱን እዩ ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ትማል ሰኑይ ንግሆ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ኲነታት ርግጽነት ዘይብሉን ክቕየር ዝኽእልን እዩ ኢሉ’ሎ።

“ተግባራት ሩስያ ኣብ ሽወደን ሓዊስካ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ንሓጺር ግዜ  ክጽሎ ጌሩ’ሎ። እንተኽዕነ ግና ኣብ ሽወደን ህጹጽ ሓደጋ ሕጽረት ነዳዲ፡ ጋዝ ወይ ኤለትሪክ ኣየጋጠመን” ክብል ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com