Friday , May 17 2024

ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ማሕበራዊ ውሕስነት ዝጸንሐ ምትእምማን፡ ብሰንኪ ክፍሊት መልዕሎ፡ የንቆልቅል

ብሓሶት ዘመድካ ምሟቱ ምሕባር ወይ ግዒዝካ እናሃለኻ ዘይምሕባርን ዝኣመሰሉ ኣብ ናይ ክፍሊት መልዕሎ ዝግበሩ ዓሎቓት፡ ዓመታዊ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ክሮና ክሳራ ዘስዕቡ ዘለዉ ልሙዳት ኣገባባት ምትላል እዮም። በዓልመዚ መልዕሎ (ጥሮታ) በዚ ምኽንያት ኣገባብ ክፍሊት መልዕሎ፡ ከጸንክሮ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ፍርያምነት እቲ በዓልመዚ፡ ማግነስ ሮዲን፡ እዞም ዓሎቐኛታት እንድሕር ብኸምዚ ቀጺሎም ኣብ ክንዲ ናይ ምሉእ ህይወቶም ክፍሊት መልዕሎ ዝረኽቡ፡ ምሉእ ህይወቶም ዕዳ እናኸፍሉ ክነብሩ እዮም።

ክፍሊ ጡረታ ዓመታዊ 350 ቢልዮን ክሮን ከም ዝኸፍልን ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ድማ ኣብ ዘይግብኦ ሰብ ይኸይድ ምህላዉ ከም ዝፍለጥ፡ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ 15 ሰራሕተኛታት ናይዚ በዓል መዚ፡ ኣህጉራዊ ዓሎቕ ንምልላይ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ።

ዛጊት ኣብዚ ዓመት 25 ሚልዮን ክሮና ሓቲትና ኣሎና ክብል ሮዲን ወሲኹ። ብተመሳሳሊ ብዘይ ግቡእ ዝኽፈል ዝነበረ 21 ሚልዮን ክሮና እውን ደው ከምዝብል ጌርና ኣሎና፡ ኢሉ።

ብመሰረት ዳህሳስ SVT፡ ገለ ሰባት ድርብ ናይ መልዕሎ ክፍሊት ክወስዱ ምጽንሖም፡ ገለ ድማ ኣዝማዶም ምሟቶም ብሓሶት ምሕባሮምን ግዒዞም እናሃለዉ ዘይሕብሩን እውን ከም እተረኽቡ ሓቢሩ። ንኣብነት ሓደ ሰባኣይ 1.5 ሚልዮን ክሮና ብጌጋ ክበጽሖ ምጽንሑ ከም ኣብነት ተጠቒሱ።

ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እቲ ኮሚሽን፡ 30 ጥርዓናት ናይ ዓሎቕ ጡረታ ምእንጋዱን ነፍሲ ወከፍ ከምዚ ዝበለ ናይ ዓሎቕ ተግባራት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝጸንሐ ምትእምማን ዝብሕጉግ ምዃኑን ድማ ኣስሚሩሉ።

ዝበዝሑ ሰባት ዝግብኦም ጥራይ ብቕንዕና ዝወስዱ ጡረተኛታት እዮም ዝበለ ሮዲን ገለ ዘጠፋፍኡ ሰባት ክህልዉ ግድነት ምዃኑን መንግስቲ ንኹሎም ነዃላት ክዓብስ ከም ዘይክእልን ድማ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com