Thursday , May 16 2024
(R.Priebe/Pr-Video/dpa via AP) DSOB102

ኣብ ሓደ ናይ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ተዂሲ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ሓደ ወዲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሄይደልበርግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዩኒቨርሲቲ ብዝኸፈቶ ተዂሲ፡ እንተወሓደ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ፡ “ሰባት ክቕጽዑ ይግባእ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝሰደደ ኮይኑ ብድሕሪኡ ህይወቱ ከም ዘጥፈአ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ንውልቁ ዝነበረ ብዓል ጠበንጃ፡ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ብረት ኣብ ውሽጢ እቲ መምሃሪ ኣዳራሽ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ- ምዕራብ ጀርመን ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሄይደልበርግ፡ ሰኑይ ሰዓት 1 ድ.ቐ. ኣቢሉ’ዩ ተዂሲ ዝኸፈተ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ንሱ ዕብድብድ እንዳበለ እዩ ናብ ከባቢኡ ዝትኩስ ዝነበረ።

ኣርባዕተ ሰባት ዝተወቕዑ ኮይኖም ብጽኑዕ ከምዝቖሰሉን ተፈሊጡ’ሎ። ካብኣቶም ሓንቲ ጓል ኣንስተርይቲ፡ ብሰንኪ እቲ በጺሑዋ ዝነበረ መቑሰልቲ ከም ዝሞተት ሓደ ናይ ጀርመን ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ተኹሲ ስዒቡ፡ እቲ ተማሃራይ ሽዑ ንሽዑ ርእሰ-ቐትለት ከምዝፈጸመ ተፈሊጡ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባኡ ክፍለጥ ዝተኻእለ ነገር እንተሎ፡ ዝኾነ ይኩን ናይ ፖለቲካ ይኩን ወይ ድማ ናይ ሃይማኖት መበገሲ ከምዘይብሉ እዩ፥ እዚ ብምዃኑ ድማ ፖሊስ፡ ሰባት፡ ነቲ ጉዳይ ምስ ዘየድሊ ነገራት ከተሓሕዝዎ ከምዘይግባእ ኣታሓሳሲቡ’ሎ። ቅድሚ እቲ ተዂሲ፡ “ሰባት ክቕጽዑ ይግባእ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምዝሰደደን ኣብ ባሕሪ ክቕበር ከም ዝደሊን ምሕባሩ ጸብጻብ እቶም መርመርቲ ፖሊስ ኣፍሊጦም።

ሄደልበርግ፡ ኣብ ደቡብ ፍራንክፈርት ትርከብ ቦታ ኮይና፡ ልዕሊ 160,000 ተቐማጦ ኣለውዋ። በታ ሽም ናይታ ከተማ ዝጽዋዕ ናይታ ከተማ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ጀርመን ካብ ዝርከቡ ናይ ቀደምን ልዑል ዝና ዘለዎም ዩኒቨርሲታት፡ ሓደ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

“ብጣዕሚ ኢና ተናዊጽና። እዚ ፍጻመ’ዚ ኪንዮ ዝኾነ ይኹን ኣብ ሞንጎ ኣስተምህሮ፣ ፈተናታትን ናይ ካምፓስ ህይወትን ፈጺምካ ክትሓስቦ ዘይትኽእል ሓደጋ እዩ” ክብል ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ተማሃሮ ዝኾነ ፒተር ኣቤልማን ን ‘ራይን-ኔካር-ዜይቱንግ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

መራሒ ሃገረ ጀርመን፡ ቻንሰሎር ኦላፍ ሾልዝ፡ “ነቶም ግዳያትን ኣዝማዶምን ኮምኡ ድማ ንተምሃሮ ናይ ሄደልበርግ ዩኒቨርሲቲ ብሙሉኦም ምጽንናዕ ይምነየሎም” ክብል ገሊጹ።

A Police officer secures traces on the grounds of the Heidelberg University Botanical Garden in Heidelberg, Germany, Monday, Jan. 24, 2022. German police say a lone gunman wounded several people at a lecture theatre in the southwest city of Heidelberg on Monday. Police said in a brief statement that the perpetrator was dead but didn’t give details of how that happened.(AP Photo/Michael Probst) SOB106

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com