Friday , May 17 2024

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝነበረ ወተሃደራዊ ወጥሪ ተጋዲዱ

ኣብቲ ውግእን ግጭትን ዘይተፈልዮ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ፈኸም እናበለ ክኸይድ ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ናብ ቅሉዕ ወትሃደራዊ ግጭት ከም ዝዓረገ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ንወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢረን። እቶም ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቅ  ሱዳን ብነፈርቲ ኪናት መጥቃዕቲ ደብዳብ ከም ዝፈጸመን  በቲ ምጥቃዕቲ ህጻናት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተጉድኡ መንግስቲ ሱዳን ከሲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዘረጋገጽዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝተፈላለዩ ረብሓ ዘለዎም ናይ ደገ ሓይልታት ተሃንዲሱ ናብ ሓደገኛ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘለዎ ከባቢ የመርሕዎ ከም ዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com