Thursday , May 16 2024

ኣብ ማልሞ ቅትለት ዝፈጸመ መንእሰይ 12 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ኣብ ማልሞ ዝርከብ ቤትፍርዲ ንወዲ 22 ዓመትን መንፈቕን መንእሰይ ብቕትለት ድሕሪ ምኽሳስ ንዓሰተውክልተ ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ጐደቢ ሮሰንጋርድ እዚ መንእሰይ ቅትለት ምፍጻሙ ከም እተረጋገጸ ድማ ተገሊጹ። ዳኛ ፍረድሪክ ላንድግረን ነዚ ውሳነ ግቡእ እዩ ክትብል ሓቢራ’ላ። ንሳ ብተወሳኺ ንኻልእ መንእሰይ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ፈሪዳ’ላ።

እዚ ፍጻመ ኣብ 16 ሓምለ 2018 እዩ ኣጋጢሙ። ኣብዚ ዕለት እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ኣብ ርእሱን ካልእ ክፋል ኣካላቱን ብብዙሕ ጠያይቲ ከም እተወቕዐን ነዚ መፋጽምቲ ካልእ ብጻዩ ምስኡ ከም ዝነበረን ድማ ተመልኪቱ። እዚ መንእሰይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ማእከል ዕዳጋ ስቶክሆክም ጋለሪያ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ድማ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com