Friday , May 17 2024

ኣብ ሽወደን፡ ቅልጡፍን ኣሉታውን ምዕባለ መልከፍቲ ኮሮና ይረአ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ውን ይውስኽ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቅልጡፍን ኣሉታውን ምዕባለታት መልከፍቲ ኮሮና ይረአ ኣሎ ክትብል ኣብ ሃገራዊ  ቤት ምኽሪ ጥዕና፡ ሓላፊት ክፍሊ ምድላው ንህጹጽ እዋናት ዝኾነት፡ ጅዋና ሳንድዋል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ 167 ሕሙማት ከምዘለዉን፡ 1288 ሕሙማት ድማ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ፡ ሳንድዋል፡ ብምውሳኽ ሓቢራ።  ሽሕ’ኳ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ነቲ ዘሎ ብዝሒ ሕሙማት ዝጻወሮ እንተኾነ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባለ መልከፍቲ ኮሮና ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ገሊጻ።

ብመሰረት ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእዩ ሓደስቲ መልከፍቲ ኮሮና፡ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ፡ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 17-19 ዘለዉ ምንባሩ ሓቢሩ። እዚ ድማ፡ 18% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝሽፍን ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com