Thursday , May 16 2024

ኣብ ሽወደን 800 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝገጠመን ተገሊጹ።

800 ዝኾና ደቂኣነስትዮ ካብ መጻምደን ነበር ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝመጸንን ተሓቢአን ክነበራ ምግዳደንን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ብሰንኪ ጎነጻዊ ምፍርራህ ህይወተን ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ደቀንስትዮ ካብ ዝነበራሉ ከተማ ውጽእ ኢለን ብምርሓቕ ክነበራ ምጅማረን እውን እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እታ ጋዜጣ እዘን ደቀንስትዮ ዘሕልፋኦ ዝበለቶ ስቓይ ዘርዚራ’ላ።

ሓንቲ ሉዊዛ ዝስማ ካብዘን ግዳያት” ከይቅተል ብምባል ተሓቢአ እየ ዝነብር። ሰባት ምስ መትና ብዜና እዮም ምህላውና ዝፈልጡ” ክትብል ኲነታታ ገሊጻ። ምስ ስድራቤት ንዝተኣሳሰሩ ገበናት ንምክልኻል ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ንምትእትታው እማመ ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ጆሃንሰን ምግላጹ ይዝከር።፡ እዛ ሽማግለ እትበጽሖ መጽናዕቲ ኣብ 39 መስከረም 2020 ኣታዊ ክትገብር እያ ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com