Friday , May 17 2024

ኣብ ብራዚል: ቊጽሪ ግዳያት ሞት ኮቪድ-19: ልዕሊ 400 ሽሕ ይበጽሕ

መጠነ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ብራዚል: ልዕሊ 400 ሽሕ ምብጽሑን: በዚ ድማ ኣብ ዓለምና ብኻልኣይ ደረጃ ዝዓበየ ኣሃዝ ምምዝጋባን ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ እናኾነ: መደብ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19: ብዘገምታ ይሳለጥ ምህላዉን እዚ ድማ ብ ኮንግረስ መርመራ ክግበረሉ ከም ዝደረኸ ተፈሊጡ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ: ኣብ ሓደ መዓልቲ: ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ 4000 ብምብጻሕ: ዝለዓለ ቊጽሪ ኣመዝጊቡ ምንባሩን ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 3001 ሰባት ንሞት ከም እተቓልዑን ቢቢሲ ሓቢራ።

ፕረሲደንት ኣየር ባልሰናሮ:: ዕጽዋ፥ ምጥቃም ማስክን ከስተናዕቕን ፍቱንነቶም ዘይተረጋገጹ መድሃኒታት ምጥቃም ከተባብዕ ምጽንሑን ዝዘከረ እቲ ሓበሬታ በዚ ድማ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

ምስ ምልውዋጥ ጅር ቫይረስ: ገዚፍ መጠን ለበዳ እናሃለወ: መንግስቲ: ግቡእ ስጒምቲታት ብዘይምውሳዱን ኸም እተኸስተ ተሓቢሩ። መንግስቲ ደንጒዩ ውን ይዂን ብዝተኸተሎ መምርሒታት ኣብ ብርክት ዝበላ ቦታታት እንተላይ ኣብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ፈጺሙ ፈሪስሉ ዝነበረ ቦታታት ከይተረፈ ኲነታት ተመሓዪሹ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com