Friday , May 17 2024

ኣብ ትካላት H&M ድሕሪ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ሚኒስተር፡ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን ትብል

ኣብ ትካላት H&M፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ቪድዮ ብጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ምስ ተዘርገሐ፡ ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት፡ ኦሳ ሊንድሆገን፡ (ሚልዮፓርትያት) በቲ ዝረኣየቶ ብጣዕሚ ከምዝተተንከፈት ገሊጻ። ኣንጻር ዓሌታዊ ምፍልላይ ዝቐንዐ ሕጊ ኣለና፡ ኣስራሕቲ ድማ፡ ሓላፍነት ናይቲ ብኣባላቶም ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዝፍጸም ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ክስከሙ ከምዝግባእ ገሊጻ። ዝኾነት ኩባንያ፡ ዓማዊላ ዓሌታዊ ምፍልላይ እንተድኣ ኣጋጢምዎም፡ ክትቅጻዕ ከምዝግባእን ዝኾነ ዓሌታዊ ምፍልላይ ዘጋጠሞ ዓሚል ድማ ናብ ኣንጻር ዓሌትነት ጥርዓናት ዝቕበል ትካል (Diskrimineringsombudsmannen) ጥርዓኑ ንኸቕርብ ኣዘኻኺራ።

ነፍሲ ወከፍ ኣካል፡ ብሕግታት ሽወደን ተቐይዱ ክኸይድ ንቡር እዩ። ኣነ ከም ሚኒስተር፡ ሓደ ኣካል ጥሕሰት ሕጊ ኣካይዱ ኢለ ክውስን ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ስራሕ ናይ ቤት ፍርዲ ስለዝኾነ። ኣነ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ግን፡ ኣንጻር ዓሌትነት ዝቐንዐ፡ ሕግታት ሽወደን ከምዘለናን፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ድማ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን ክትብል፡ ሊንድሆገን፡ ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣንጻር ዓሌትነት ዘሎ ሕግታት ሽወደን፡ ዝያዳ ክተርር፡ እታ ሚኒስተር ጸዊዓ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com