Thursday , May 16 2024
The conflict in ethiopia's Tigray region has been going on for 14 months. In the photo, the military forces of the central regime parade (AP Photo/Jamejam Online, Chavosh Homavandi, File)

ኣብ ትግራይ፡ ስደተኛታት ብድሮናት ተደብዲቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሃዲሞም ኣብ ሓደ መዕቆብ ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ተጋሩ ኣደዳ መጥቃዕቲ ናይ ድሮናት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። ካብ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት ከምዝሕብሩዎ፡ ዛጊት 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም ጸብጻብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (TPLF) እንድሕር ኮይኑ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ እዩ ብዛዕባ እዚ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ዝተጋወሐ። በቲ መጥቃዕቲ ድማ 56 ንጹሃን ዜጋታት ተቐቲሎም ክብል ህወሓት (TPLF) ኣፍሊጡ’ሉ። ህወሓት፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ማእከላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቃለሱ ካብ ዘለው ጉጅለታት እዩ።
እዚ ጸብጻብ’ዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ተረጋጊጹ’ሎ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ሰራሓት ዝነጥፉ ሰብ መዚ ንAFP ከምዝሓበሩዎ፡ ሓያል ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ከምዝተጠቕዑ ብምሕባር፡ ብኣሃዝ ክፍለጥ ዘይተኻእለ ቁጽሪ ሰባት ድማ ከምጠቐተሉ ኣፍሊጦኣም።
እቲ ትካል ዜና ብተውሳኺ’ውን ካብ ትግራይ ኣብታ ዝዓበየት ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ንዝሰርሕ ንሓደ ክሂላ ዝተወከሶ ኮይኑ፡ እቲ ሰራሕተኛ፡ 55 ዝሞቱን 126 ዝተጎድኡን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐጸረ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እዚን ካሊእ ተወሳኺ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል እዩ ብዝብል ምኽንያትን፡ ኩሎም ናይ ረድኤት ንጥፈታት ኣብ ትግራይ ስርሖም ንዘይተፈልጠ ግዜ ክቋረጹ ከምዝተገብረ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ዝበሎ ነገር ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ብግጭት ዝናወጽ ዘሎ ከባቢ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ፍጻመታት ንምርግጋጾም ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዕጽዋ መራኸቢታት፡ ካብ ኩሉ ዓለም ተነጺሉ ስለዘሎ ብምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።።
“እዚ ምግዳድ መጥቃዕቲ ናይ ኣየር፡ ብጣዕሚ ዘሰንብድ እዩ፥ ንኹሎም ተጻባእቲ ወገናት ደጊምና ክንብሎ ንደልይ ነገር እንተድኣሎ፡ እቶም ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩዎም ኢና ንላቦ” ክብል ኣዋሃሃዲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዝኾነ OCHA ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com