Friday , May 17 2024
A local resident holds his nephew as he leaps across a stream of water overflowing the banks of the rain-swollen Niger River, in Niamey, Niger (AP Photo/Rebecca Blackwell)

ኣብ ኒጀር ብዝተኸስተ ብርቱዕ ዝናብ፡ 35 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ምዕራባ ኣፍሪቃዊት፡ ሃገር ኒጀር፡ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፡ 35 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 26 ሽሕ ድማ ብዘይቤት ምትራፎም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብዞም መወትቲ፡ እቶም 20 ሰባት፡ ኣብ ልዕሊኦም ብዝፈረሰ ኣባይቲ፡ እቶም 15 ድማ ኣብ ውሕጅ ጥሒሎም ምሟቶም ጸብጻባት ገሊጾም።

ብጠቕላላ 2500 መንበሪ ኣባይትን ከምኡ ውን መሳጊድን ኣብያተ ትምህርትን ዝርከብዎም 50 ህንጻታት ውን በቲ ብርቱዕ ዝናብ ተሃስየን ምህላወን ተሓቢሩ።

እዚ ንሓጺር እዋን ግና ብብርቱዕ ዝዘነበ ዝናብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህይወት 73 ሰባት ምቕዛፉ ዝዝከር ኮይኑ ን 2.2 ሚልዮን ሰባት ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበሎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com