ኣብ ናይጀርያ፡ ዞባ ኒጀር፡ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንተመሃሮ ከም ዝጨወዩ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እዞም ዕጡቓት፡ ትማሊ ሰንበት፡ ካብ ኣብ ከተማ ተጊና፡ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ቊጽሮም ዛጊት ዘይተፈልጠ ተመሃሮ ምጭዋዮም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት ምስክርነት መምህር እታ ቤት ትምህርቲ፡ በዚ መስርሕ ጭውያ፡ 150 ተመሃሮ ዝኣኽሉ ተማሃሮ ከም ተጨውዩ ይንገር።
ኣብ ናይጀርያ፡ ተማሃሮ ጨዊኻ፡ በጃ ገንዘብ ምሕታት፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ዞባታት እታ ሃገር፡ እናተለምደ ምምጽኡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጥራይ፡ 300 ደቀንስትዮ፡ ካብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ተጨውየን ተወሲደን ምንባረን ኣዘኻኺሩ።