Wednesday , May 15 2024

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኣድራሻ ንዘይብሎም ሰባት ኣድራሻ ብምሻጥ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ዘካይዱ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኣድራሻ ንዘይብሎም ሰባት ኣድራሻ ብምሻጥ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ብምኽያድ ኣታዉን ዝረኽቡ ሰባት ከምዘሎዉን፣ እዚ ኸኣ ንሕጊ  ምዝገባ ሽወደን ዝጥሕስ ምዃኑ ቤትጽሕፈት ኣታዊ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሩ።ኣብዚ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዜናዊ ዳህሳስን መርመራን ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ስጋብ 100 ዝኣኽሉ ሰባት፣ ብሓንሳብ ዝተመዝገብሉ ኣድራሻ ከምዝተረኸበ ተፈሊጡ።

እቶም ሓደ ሚእቲ ሰባት ነታ ቀንዲ ተኻራይት ኣብ ወርሒ 100 ክራዉን ብምኽፋል ነቲ ኣድራሻ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩን ክፍለጥ ተኻኢሉ። ድሕሪ እቲ ጸብጻብ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ኣብ ዘካየድዎ ምርመራ እቲ ፍጻመ፣ ከምዘረጋገጹን፣ ብዙሓት ካብዞም ኣድራሻ ዝዕድጉ ሓተቲ ዑቕባ ብገበን ዝሕተቱን፣ ቅድሚ ሕጊ ብወንጀል ተኸሲሶም መቕጻዕቶም ዝወድኡን ከምዝርኸብዎም፣ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ፖሊስ ነታ ዋና ተኻራይት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምዉዓል ብጥሕሰት ሕጊ ህዝባዊ ምዝገባን፣ ዘይሕጋዊ እቶትን ከምዝተጠጠርጠረት ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com