Friday , May 17 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣብ ክስተት “ኳንታ” ምርምር ዘካየዱ ተመራመርቲ ፊዚክስ ተዓወትቲ ሸልማት ኖቤል ኮይኖም።

ሰለስተ ተመራመርቲ ዓውዲ “ፊዚክስ”፡ ብሓባር ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል እዚ ዓመት ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ተመራመርቲ ኣብቲ “ዝተጠናነገ ኲነታት ኳንተም” እናተባህለ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ክስተት ብዝገበርዎ ኣበርክቶ እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉ። እዞም ተዓወትቲ ፈረንሳዊ ኣሌይን ኣስፐክት፡ ኣመሪካዊ ጆን ኤፍ ክሎስተር፡ ከምኡ’ውን ኣንቷን ዘይሊንገር ካብ ሃገረ ኦስትርያ ኮይኖም፡ ብጠቕላላ 10 ሚልዮን ክሮና ኖርወይ (ኣስታት 957 ሽሕ ዶላር) ክሽለሙ እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ መምህር ተግባራዊ ፊዘክስ ከምኡ’ውን ኣባል ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ዝኾነት ኤቫ ኦልሰን፡ ነዚ ንሽልማት ዝበቕዐ ምርምር ፊዚክስ ኣመልኪታ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ “እዞም ተመራመርቲ፡ ደቀቕቲ ባእታታት ኳንታ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ርሕቀት እውን እናሃለዉ ብኸመይ እዮም ንሓድሕዶም ዝናበቡ” ዝብል ኣገራሚ ክስተት ንምብራህ ብዙሕ ከም ዝጸዓሩ ገሊጻ’ላ።

ናይ ስነቅመማ –“ኬሚስትሪ” ተዓወትቲ ኖቤል ሎሚ ረቡዕ ክርቊሑ እዮም ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com